ካብ ምሉእ ኣህጉር ኣፍሪቃ ዜናታትን ዛንታታትን።
ንቐረባ ግዜ ሓበሬታ ተመለስ።
ብዛዕባ ኢትዮጵያን ቀርኒ ኣፍሪቃን ካብ ካልኦት ትካላት ዜና ዝተረኽቡ ኣርእስታት
ፌዴራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞ (ኦፌኮ) ንመዓልቲታት ዝቐፀለ ጎንፂ ዘተአናገደት ጉዳይ ከተማ ሞያሌ ዝምልከት መንግስቲ ፌደራል "ሱቕታ ምምራፁ" ነቒፉ።
ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ መበል 119 መዓልቲ ሰራዊት ምክልኻል ነቲ ሰራዊት ብዝተፈላለየ መገዲ ኣበርክቶ ንዝገበሩ 10 ዜጋታት ናይ ክብሪ ኣባልነት ሰራዊት ምክልኻል ኣፍልጦ ተዋሂቡ። 119 ዓመት መዓልቲ ሰራዊት ምክልኻል “ሰራዊት ዓወት” ብዝብል መሪሕ ቃል ሎሚ መዓልቲ ተኸቢሩ። እቲ ናይ ክብሪ ኣባልነት ኣፍልጦ ኣብ መበል 119 መዓልቲ ሰራዊት ምክልኻል ብውልቆም ኣብ ማሕበራዊ […]
ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኣብ ዝተፈተነሉ ኩሉ ዓውደ ውግእ ብፅንዓት ሓሊፉ ዓወት ዝተጎናፀፈ፣ ንሃገር ናብ ምሉእ ዕቤት ዘብፅሕ ሰራዊት ዓወት እዩ ኢሎም ሚኒስትር ምክልኻል መሓመድ እድሪስ። 119 ዓመት መዓልቲ ሰራዊት ምክልኻል “ሰራዊት ዓወት” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ሎሚ መዓልቲ ይኽበር ኣሎ። ኣይተ መሓመድ እድሪስ ኣብቲ በዓል ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ ከምዝበሉዎ፤ […]
ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ታሪኽ ዕጡቕ ሓይሊ ኢትዮጵያ ንዘመናት ዝተመዝገበ እዩ ኢሎም ወታደራዊ ኣማኻሪ ላዕለዋይ ኢታማዡር ሹም ሓይልታት ጦር ፌዴሪኢን ሓላፊ ኣመራርሓ ተኹሲ ሚኒስቴር ምክልኻልን ጀነራል ዓለምሸት ደግፌ። መበል 119 ዓመት መዓልቲ ሰራዊት ምክልኻል “ሰራዊት ዓወት” ብዝብል መሪሕ ቃል ሎሚ መዓልቲ ይኽበር ኣሎ። ጀነራል ዓለምሸት ደግፌ ኣብቲ እዋን ከምዝገለፁዎ፤ ህዝብና ሓድነቱ ብምሕላውን […]
ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ልምዓት ወሰን ሩባ ቀጨኔ–ኣምባሳደር–ጊዮን–ኢሬቻ–ባምቢስ መሪቖም ንኣገልግሎት ክፍቲ ገይሮም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፤ እዚ 351 ሄክታር ሓፈሻዊ ስፍሓትን 10 ኪ.ሜ ንውሓትን ዘለዎ ልምዓት ኮሪደር ዘበናዊት፣ ሓምለወይቲን ንኹሉ እተሓቁፍን ኣዲስ ኣበባ ናይ ምህናፅ ራኢ ኣብ ግብሪ ዘውዕል ዓብዪ ፕሮጀክት […]
ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)መበል 119 መዓልቲ ሰራዊት ምክልኻል ብድምቀት ይኽበር ኣሎ። መበል 119 መዓልቲ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ “ሰራዊት ዓወት” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ላዕለዋይ መምርሒ ሓይልታት ጦር ይኽበር ኣሎ። ኣብቲ ክብረ በዓል ሓለፍቲ መንግስቲ፣ ላዕለዎት ወታደራዊ መኮንናት፣ ወታደራዊ ኣታሼታት መሓዙት ሃገራትን ካልኦት ዕዱማት ኣጋይሽን ተረኺቦም። እንኳዕ ንመበል 119 መዓልቲ ሰራዊት ምክልኻል […]
እቲ ተርእዮ፡ ኣብ ዘመናዊ ታሪኽ ፈረንሳ፡ ገለ ካብቶም ዝኸፍኡ ትርኢታት ናዕቢ ከምዘስዓበ ተገሊጹ።
ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም (ኤፍ ኤም ሲ)ንዘበናት ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ እናተሰጋገረ ዝመፅአ ዋልታ ኢትዮጵያ ዝኾነ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ንኽብሪ ሃገርን ድሕንነት ህዝቢን እናተዋደቐ ኣብዚ በፂሑ ኣሎ። በዚ ድማ ኢትዮጵያ ብብርቱዕ ቅልፅም ደቃ ተኸቢራን ተሓፊራን ንዘበናት ዶባታ ተሓልዩ ክሳብ ሎሚ ክትበፅሕ ክኢላ እያ። መበል 119 መዓልቲ ሰራዊት ምክልኻል “ሰራዊት ዓወት” ብዝብል መሪሕ ቃል […]
ኣብ ኢንተርነት ዝተዘርግሑ ሓበሬታት ለይቲ ካብ ሰዓት 8፡00 (2፡00) ክሳብ 9፡00 (3፡00) ኣብ ዘሎ ግዘ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ካብ ድቃስና ከም ንነቅሕ የረድኡ። ጭንቀት፣ ሆርሞናት፣ መንፈሳዊ ምኽንያታት ወይ ልዑል ስግኣት ጥዕና ከም ጠንቂ ይጥቀሱ።
ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ፕሪምየር ሊግ እንግሊዝ ኣብ 8ይ ሰሙን መደብ ፀወታ ኣርሰናል ንኤቨርተን 2 ን 0 ብዝኾነ ውፅኢት ስዒራ። ምሸት ሰዓት 11፡00 ኣብ ስታድዩም ኤሚሬትስ ኣብ ዝተኻየደ ፀወታ ኣርሰናል ንኤቨርተን ብምስዓር ኣገዳሲ ሰለስተ ነጥቢ ኣመዝጊባ። ኣብቲ ፀወታ ንኣርሰናል ዓወት ዘረጋገፁ ሸቶታት ኤዝሪ ኮንሳን ጋብሬል ማጋልሄስን ኣብ መርበብ ሸቶ ኣእትዮም። […]