ብዛዕባ ኢትዮጵያን ቀርኒ ኣፍሪቃን ካብ ካልኦት ትካላት ዜና ናይ ቀረባ እዋን ኣርእስታት። ነፍሲ ወከፍ ዜና ኣብ መርበብ ሓበሬታ ናይቲ መበቆላዊ ኣሕታሚ ይኽፈት።
ኩሎም ቋንቋታት ኣርኢኣርእስታትን ሓጸርቲ ቅንጭባትን ናብ መበቆላውያን ኣሕተምቲ ይወስዱ። ኣዲስ ጋዜጣ ነዚ ካብ ደገ ዝመጽእ ትሕዝቶ ኣየዳልዎን ኣየርምን።
ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ሕቶ በሪ ባሕሪ ኢትዮጵያ ንሃገራት እቲ ዞባ ብፍላይ ንኤርትራ ተረባሕነት ዘረጋግፅ እዩ ኢሎም ኣባላት ፓርቲ ሰማያዊ ማዕበል። ኣባላት እቲ ፓርቲ ምስ ፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ኣብ ዝገበርዎ ፃንሒት ከምዝበልዎ፣ ኢትዮጵያ ዘልዓለቶ ሕቶ በሪ ባሕሪ ቅቡልነት ዘለዎን ነቲ ዞባ ወሳኒ ጉዳይን እዩ። ሕቶ በሪ ባሕሪ ኢትዮጵያ ምላሽ ምርካቡ ኣብቲ […]
ምኒስተራት ጉዳያት ወጻእን ማይን ክልተአን ሃገራት ኣብ ካይሮ ኣብ ዘካየድዎ ሳልሳይ ዙር ሓባራዊ ዘተ፡ ኣብ ጉዳይ ማይ ናይል፡ ጸጥታ ቀይሕ ባሕርን ውሽጣዊ ኵነታት ሱዳንን ዘለወን ሓባራዊ መርገጺ ኣነጺረን።
ኣመሪካ፡ ኣብ መጻብቦ ሆርሙዝ ኣብ እትርከብ ደሴት ቀሽም ናይ ኢራን መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸመት፡ ሰበ-ስልጣን ኣመሪካ ንመሻርኽቲ ቢቢሲ ዝዀነት ማዕከን ዜና ሲቢኤስ ኣረጋጊጾም።
ሰባት ክሳብ ክንደይ ዝኣክል ድቃስ የድልዮም ኣብ ዝብል ዘሎ ሰፊሕ ፍልልይ ካብ ነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ምስጢር ኰይኑ እዩ ጸኒሑ። ይዅን እምበር፡ ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ዓመታት፡ ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት፡ ሰረታዊ ተራ ዘለዎም ብዙሕ መገድታት ከምዘለዉ ኣመልኪቶም እዮም። ገለ ሰባት ብኣዝዩ ውሑድ ድቃስ መዓልታዊ ህይወቶም ዝቐጽልሉ ምኽንያት እንሆ፤
... ካልኦት ስደተኛታት ድማ ኣብ ስራሕ ወይ ትምህርቲ ዝተዋፈሩ እንተዀይኖም ድሕሪ 10 ዓመት ቀዋሚ መንበሪ ክረኽቡ ክፍቀደሎም'ዩ። ካብ ስራሕ ወይ ትምህርቲ ወጻኢ እንተዀይኖም ግን 20 ዓመት ክጽበዩ እዮም። ኣብ ኵሉ ደረጃ ዝርከቡ ወጻእተኛታት ወይ ስደተኛታት ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ንምርካብ ካልኦት ተወሰኽቲ ቅጥዕታት'ውን ከማልኡ ክግደዱ'ዮም።
መንግስቲ ሱዳን፡ 'ካብ መሬት ኢትዮጵያ ዝተበገሱ ድሮናት ኣብ ልዕሊ ስቪላዊ ትካላትን መደበራት ሓይሊ ኤሌክትሪክን መጥቃዕቲ ፈጺሞም' ብዝብል ክሲ፡ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራትን ባይቶ ሰላምን ጸጥታን ሕብረት ኣፍሪቃን ከሲሱ።
ሰንበት ኣብ ኣመሪካ ክፍለ-ሃገር ፍሎሪዳ፡ ሓንቲ ብሕታዊት ነፋሪት ኣብ መንበሪ ገዛውቲ ድሕሪ ምውዳቓ ብዝተለዓለ ባርዕ፡ ኣብ ውሽጣ ዝነበሩ ኵሎም ትሽዓተ ሰባት ህይወቶም ከም ዝሓለፈ ምኒስተር መጓዓዝያ ኣመሪካ ኣፍሊጡ።
ኣብ ትግራይ ወረዳ ኣበርገለ የጭላ፡ ካብ መኽዘን ኣፅዋር ሓይልታት ትግራይ ዝተኣከበ ዘይመኸነ ሓፂን ምፍንጃሩ ስዒቡ፡ ህፃናት ዝርከብዎም ሸሞንተ ሰባት ሞይቶም፡ ብዙሓት ድማ ቆሲሎም። ሰባት ናብቲ መኽዘን ኣፅዋር ከይዶም ዝኣርይዎ ሓፂነ-መፂን እንታይ እዩ? ንምንታይከ? እዚ ፅሑፍ ዳህሲስዎሎ፤
ሞያን ውድድርን ኣካላዊ ብቕዓት ብፍላይ ንደቀንስትዮ፡ ዝተፈላለየ ኣመጋግባን ካብ ሕብረተሰብ ዝወሃቡ ኣሉታዊ ርእይቶታት ተጻዊርካ ምቕጻል ይሓትት። ስለዝዀነ ድማ ነዚ ሰጊረን ዝኸዳ ብኣጻብዕ ዝቝጸራ እየን፤ ተሳትፎአን ኣብ ውድድራት እውን ሒደት እዩ።
ካብ ድቃስ ክሳብ ጥዕና ከስዐ፡ ኣብ ጥዕና ደቂ ሰባት ለውጢ ከምጽኡ ይኽእሉ ተባሂሎም ዝእምነሎም ቀለልቲ ልምድታት ብዙሕ ሳይንሳዊ ምርምር ይካየደሎም'ዩ። ዓለምለኻዊ ትካል ጥዕና፡ ኣብ ኢንዱስትሪ ጥዕና ዝወጽእ ወጻኢታት ኣብ 2029 ዋጋኡ 9.8 ትሪልዮን ዶላር ክኸውን ምዃኑ'ኡ ዝግምት።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም ዝቘመ ሸውዓተ ዕጡቓትን ጕጅለታት ኢትዮጵያ ዝሓቍፍ ኪዳን-ንህልውና፡ እዋናዊ ሃገራዊን ዞባውን ኩነታትን ኣሰላልፋ ሓይልታትን ከምዝገመገመ ኣፍሊጡ ኣሎ። ንመንግስቲ ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ካብ ስልጣን ንምውራድን ንዅሉ-ዝሓቍፍ "መሰጋገሪ መንግስቲ" ንምቛምን ዝዓለመ እዚ ሓድሽ ኪዳን፡ ድሕሪ ምምስራቱ ናይ መጀመርታ ዕላዊ ኣኼባ ከምዘካየደ እዩ ኣፍሊጡ ዘሎ።
ኣመሪካ ኣብ ኣርሲ ክልል ኦሮምያ ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ሰባት ዝተፈጸመ ቅትለት፡ ብግቡእ ተመርሚሩ እቶም ፈጸምቲ ገበን ናብ ፍርዲ ክቐርቡ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ሓቲታ። ኣብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ኣፍሪቃ ብቀዳም ኣብ ናይ ማሕበራዊ ሚድያ ገጹ ኣብ ዘውጽኦ ናይ ጽሑፍ መግለጺ፡ ኣብ ኣርሲ ብደይ መደይ ዝፍጸም ዘሎ ቅትለት ዝምልከቱ ዝወጽኡ ዘለዉ ጸብጻባት ንመንግስቲ ኣመሪካ ኣዝዩ ከምዘተሓሳሰቦ ኣፍሊጡ።
ጸሓፊት ውሽጣዊ ጉዳያት ዓባይ ብሪጣንያ ሻባና ማሕሙድ ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ብዛዕባ ሕግታት ኢሚግሬሽን ንሕጋውያን ስደተኛታት ዝሃበቶ ናይ መወዳእታ ውሳነ ከተፍልጥ ትጽቢት ይግበር። ንሳ፡ ገለ ትሑት ደሞዝ ዘለዎም ስደተኛታት ን15 ዓመት ምጽባይ ከጋጥሞም ከሎ፡ እቲ ቐዋሚ መንበሪ ንምርካብ ዝግብር ምጽባይ ካብቲ ሕጂ ዘሎ ሓሙሽተ ዓመት ናብ 10 ዓመታት ክናዋሕ ሓሳብ ኣቕሪባ ነይራ'ያ።
“ኣካላቶም ፋሕ ኢሉ ስለ ዝወደቐ ብቴንዳ ጠቕሊልና ኣብ ሓደ ጋህሲ ቀቢርናዮም" — ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ መዕቈቢ ተመዛበልቲ ዝተኻየደ ደብዳብ ድሮን፡ ኣብ መንጎ ህልቂት ሰላማውያን ዜጋታትን ስቕታ ሰበ-ስልጣንን ዘልዓሎም ዘይተመለሱ ሕቶታት።
ኣብ ከተማ ሞያለ ዝተወልዐ ደማዊ ግጭት ንልዕሊ 50,000 ሰባት ካብ መረበቶም እንከመዛብል፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን ብዛዕባ’ቲ እናበኣሰ ዝኸይድ ዘሎ ቅልውላው ክሳዕ ሕጂ ዝዀነ ምላሽ ከይሃበ ስቕታ መሪጹ ይርከብ።
ኣብ ከተማ ራማ ዓዲ-ደርባዕተ ንሰለስተ ተኸታተልቲ መዓልታት ብዝተኻየደ ተኸታታሊ መጥቃዕቲ ድሮን፡ እንተ ወሓደ 18 ሰላማውያን ሰባት ክቕተሉ እንከለዉ፡ ሓያሎ ድማ ከም ዝቘሰሉ ነበርቲ እቲ ከባቢ ንቢቢሲ ሓቢሮም።
ኣብ ኤርትራ ካብ 1991 ጀሚሩ ንልዕሊ ሰለስተ ዓሰርተታት ዓመታት ዝቐጸለ ዘይሕጋዊ ማእሰርትን ብግዲ ምስዋር ዜጋታትን ብዘይ ዝዀነ ተሓታትነት ይቕጽል ምህላዉ ብምግላጽ፡ እዚ ተግባር'ዚ ብህጹጽ ደው ክብል ገለልተኛታት ክኢላታት ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ጸዊዖም።
ኣብ መላእ ዓለም ልዕሊ 266 ሚልዮን ሰባት ንኸቢድ ዋሕዲ መግብን ጥሜትን ተቓሊዖም ከም ዘለዉን ቀንዲ ጠንቁ ድማ ደው ክብል ዘይከኣለ ውግእን ግጭትን ምዃኑ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣፍሊጡ።
ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝርከብ ፈደራላዊ ቤትፍርዲ ይግባይ ኣቡ ዳቢ፡ ንሸሞንተ ዜጋታት ሱዳን - እንተላይ ንላዕለዎት ሓለፍቲ ሰራዊትን ስለያን እታ ሃገር - ብገበን ዘይሕጋዊ ዝውውር ኣጽዋርን ምሕጻብ ገንዘብን ናይ ዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ ፈሪዱ።
ተኽልታት፣ ስብሒታትን ብምብኳዕ ዝዳለዉ ምግብታትን፡ ምጭምዳድ ቆርበትና ክንክይ፣ መጠን ኮላጂን ክዛይድ ከምኡ'ውን ትሕዝቶ ቆርበትና ክመሓየሽ ይገብሩ።
ብዛዕባ'ዘን ብዙሕ ክዝረበለን ዝቐነየ ነፈርቲ ኣመልኪቱ ምስ ቢቢሲ ጻንሒት ዝገበረ ምኩር መራሕ ነፋሪት ኲናትን ኣሰልጣንን ካፕተን ተሾመ ተንኮሉ፡ ከምዚ ዝበለ ዘመናዊ ወተሃደራዊ ዕጥቂታት ምምላእ ዘለዎ ጽልዋን ኣገዳስነትን ብዝርዝር ኣብሪሁ'ሎ።
ኣብ ክልል ኦሮምያ ዞባ ኣርሲ ወረዳ ሽርካ ብ24 ጥቅምቲ 2026 መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሙ፡ ጻውዒት ርድኡና ሰሚዖም ናብቲ ስፍራ ዝኸዱ ልዕሊ 20 ሰባት ብሓይልታት ጸጥታ እቲ ከባቢ ከም ዝተኣስሩ ነበርትን ምንጭታትን ንቢቢሲ ገሊጾም።
ኣብ ዋዕላ ሩስያ-ኣፍሪቃ ንምስታፍ ኣብ ሞስኮ ዝርከብ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ምስ ሩስያዊ መንግስታዊ ተለቪዢን ስፑትኒክ ኣብ ዘካየዶ ቃለመሕትት ልኡላውነት ሃገራት ይጠሓስን ይግሃስን ኣሎ ኢሉ።
ሩስያ ንኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ምሽምጋል ተራኣ እንታይ ክኸውን ይኽእል? ኣየኖት መዛተዪ ነጥብታት ክለዓሉ ይኽእሉ? ውጽኢታዊኸ ክኸውን ይኽእልዶ? ኣብ ዝብሉን ተዛመድቲ ጕዳያትን፡ ተንተንቲ ፖለቲካን ጸጥታን ርእይቶታቶም ንቢቢሲ ኣካፊሎም ኣለዉ።
ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኬንያ፡ መንግስቲ ነቲ ንሓተትቲ ዑቕባ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝግበር ምዝገባ ብቕጽበት ዳግማይ ክጅምር ብምእዛዝ፡ እቲ ንሓደ ዓመት ዝጸንሐ ምድንጓይ ዘይሕጋዊ፡ ኣድልዎ ዝመልኦን ምስ ናይ ኬንያ ግዴታታት ሓለዋ ስደተኛታት ዝጻረርን እዩ ክብል ውሳነ ሂቡ።
ኣብ ቤልፋስት ኣብ ውሽጢ ሓንቲ ምጭውትን ፍቕሪ ዝመልኣን ስድራቤት ዝዓበየ ደቪድ ማክብራይድ፡ ካብ ናይ ስጋ ወለዱ ወጻኢ ከም ዝዓበየ ግን ይፈልጥ ነይሩ እዩ።
እተን ሱ-35 ዝተባህላ 12 ነፈርቲ ኢትዮጵያ ኣቐዲማ ዝኣዘዘተንን ሓደ ዓመት ኣቐዲመን ዝተረከባን ምዃነን ኣቢይ ጠቒሱ'ሎ። ብዘይካ'ዚ ኢትዮጵያ ብርክት ዝበለ ጸረ- ኣየር ሚሳይላት'ውን ካብ ሩስያ ክትርከብ ምዃና ገሊጻ'ላ። ኣብቲ ኣብ ከባቢ ርእሰከተማ ሞስኮ ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ዙኮቭስኪ ከምዝተኻየደ ዝግለጽ ዘሎ ናይ ምርኽካብ ስነስርዓት ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ሌ/ጀነራል ይልማ መርዳሳ፡ ከምኡ'ውን ሓላፊ ትካል ኑክሌር ዶ/ር ኣብርሃም በላይ ተረኺቦም ነይሮም።
ኢትዮጵያ ምስ ኤርትራ ኣብ ወጥሪ ዳግማይ ኩነተ-ኲናት ኣትያትሉ ኣብ ዘላ እዋን'ያ ነዘን ነፈርቲ ትርከበን ዘላ። እቲ ምስ ሩስያ ዝሓሸ ርክብ ከምዘለዎ ዝንገረሉ ፕረዚደንት ኤርትራ'ውን ኣብቲ ዋዕላ ንምስታፍ ትማሊ ሞስኮ ከምዝኣተወ ይዝከር።
ኣብዚ ሎሚ ዓመት ንሳልሳይ ግዜ ዝካየድ ዘሎ ዋዕላ ሩስያ-ኣፍሪቃ፡ መራሕቲ ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ጥቅምቲ ዲፕሎማስያዊ ርክቦም ብምሉእ ካብ ዘቋርጹ ንደሓር ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ሓደ መድረኽ ክሳተፉ ትጽቢት ይግበር።
ካብ ኣርሲ ክሳብ ሞያለ ኣብ ሓደ ሰሙን ብውሕዱ 85 ሰባት ዝተቐተልሉ፡ ሓያሎ ዝተመዛበልሉን ናብ ጐረቤት ሃገር ኬንያ ዝተሰደድሉን ደማዊ መጥቃዕትታት፡ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ናይ ጸጥታ ክፍተት ዘጕልሕ ኰይኑ ኣሎ።
ኣብ ኢትዮጵያ ከባቢ ሞያሌ ካብ ዝተወልዐ ግጭት ሃዲሞም ናብ ኬንያ ዝሰገሩ ሰባት ብግምት 36 ሽሕ ከም ዝበፅሑ ትካል ዩኤንኤችሲኣር ኬንያ ኣፍሊጡ።
ኣብታ ኣብ ዶብ ኬንያን ኢትዮጵያን እትርከብ ከተማ፡ ካብ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ጀሚሩ ኣብ መንጎ ኣባላት ማሕበረሰባት ኦሮሞን ሶማልያን ዘጋጠመ ሞት፣ ምምዝባል ሰባትን ዕንወት ንብረትን ዘስዓብ ግጭት ኣብ ዝምልከት ተጋራጫዊ ጸብጻባት'ዩ ዝወጽእ ዘሎ። ቢቢሲ ቃለ መሕትት ዝገበረሎም ነበርቲ፡ እቲ ናዕቢ ባንዴራ ክልል ሶማል ኣብቲ ክልል ኦሮምያ ናተይ'ዩ እትብሎ ከባቢ ምስ ተተኸለት ከምዝተወለዐ ይሕብሩ። ነባሪ ሞያለ ኣቶ ሞሉ፡ ሓንቲ ጃታኒ ኣጋ ዝተባህለት መንእሰይ ኦሮሞ፡ ምትካል…
ሓደ ካብ ላዕለዎት ወተሃደራውያን ኣዘዝቲ ሓይልታት ትግራይ ኰይኑ ክሰርሕ ዝጸንሐ ሜጀር ጀነራል ዮሃንስ ወልደጊዮርግስ ኣብዚ ቅንያት ናብ ፈደራላዊ ሰራዊት ኢትዮጵያ ‘ኢዱ ሂቡ’ ብዝብል ቀንዲ መዘራረቢ ኰይኑ ቀንዩ። እዚ ‘ጆን መዲድ’ ብዝብል ዝፍለጥ ጀነራል ታሪኽ ህይወቱ፤ ቍልዕነት - ምግዳል፡ ውግኣትን ጕዕዞ ናብ ናቕፋ፡ ዛዛሚ ጕዕዞ ናብ ኣዲስ ኣበባን ብድሕሪኡን ብሓጺሩ ኣብዚ ጽሑፍ ብሓጺሩ ተገሊጹ ኣሎ።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ንሱ ዝመርሖ ልኡኽን ኣብ ሩስያ ዘካየዶ ናይ ስራሕ ብምጻሕ ወዲኡ ሎሚ ንጉሆ ናብ ኤርትራ ከምዝተመለሱ ሚኒስተር ዜና የማነ ገብረመስቀል በኤክስ ኣፍሊጡ
Ethiopian Rebels Deploy Drones Africa Defense Forum
(ታሪኽ፡ ፍቕርን ዘይበርስ ዝኽርን ናይ 80ታት ስፖርት ሃገርና) ሓድሓደ ስእልታት ካብ ሽሕ ቃላት ንላዕሊ ይዛረቡ! እዛ ኣብ ቅድሜና ትርከብ ፍልይቲ ምስሊ፡ ተራ ናይ መዘከርታ ስእሊ ጥራይ ዘይኮነትስ፤ ታሪኽ፡ ናፍቖት፡ ክብረት፡ ከምኡ’ውን ናይ ዓሰርተታት ዓመታት ዘይሃሰሰ ናይ ሓቀኛ ስፖርታውያን ፍቕርን ሕውነትን ዝሓዘለት ህያው ሰነድ እያ። እዛ ስእሊ ብዕለተ ሰኑይ 26-10-2026 ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝነበረ […] The post ⚽✨ ገዳይም ኣርካናት ኣብ ሓደ…
The US government was wrong to say the emergency in Tigray had ‘expired’, and the Eritrean regime merited sanctions regardless Christian Solidarity Worldwide
Daily_Brief: #UK provides £8 million in humanitarian funding for drought- and conflict-affected northern #Ethiopia Addis Standard
ቻይና የአፍሪካ ጉዳዮችን እንዲከታተሉ የመደበቻቸውን ሁለት ከፍተኛ ዲፕሎማቶች በመጪዎቹ ሳምንታት ወደ ኢትዮጵያ፣ ኤርትራ እና ግብጽ እንደምትልክ የሀገሪቱ ውጭ ጉዳይ ሚኒስቴር አስታወቀ። “ሰላማዊ ውይይቶችን ለማበረታታት” እና “ውጥረቶችን ለማርገብ” የታለመ ነው በተባለለት በዚህ የቻይና ተልዕኮ፤ የሀገሪቱ ሶስተኛ ከፍተኛ ዲፕሎማትም ወደ መካከለኛው ምስራቅ ሀገራት ያቀናሉ። የዲፕሎማቶቹ ጉዞ የቻይና ፕሬዝዳንት ዢ ጂንፒንግ “በመካከለኛው ምስራቅ ሰላም እና ደህንነትን”…
#Daily_Brief: #China to send special envoys to #Ethiopia, #Eritrea to ease tensions, promote regional stability Addis Abeba — China will send two senior diplomatic representatives to Ethiopia and Eritrea in November as part of a series of regional visits aimed Facebook
Daily_Brief: #Marriott_Drilling Group to drill #Corbetti exploration wells in #Ethiopia early next year Addis Standard
Eritrean troops reportedly enter Ethiopia’s Tigray region Modern Ghana
Eritrea cuts ties with Ethiopia over embassy closure Modern Ghana
Ethiopia-Eritrea Conflict Could Open a Second Red Sea Front Small Wars Journal
Daily_Brief: #China to send special envoys to #Ethiopia, #Eritrea to ease tensions, promote regional stability Addis Standard
Eritrean troops reportedly enter Ethiopia’s Tigray region Modern Ghana
ዋና ዳይረክተር ትካል ጥዕና ዓለም ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ ኣብ ኢትዮጵያ ክልላት ኣምሓራን ትግራይን ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባት ክፍጸም ዝጸንሐ መጥቃዕትታት ድሮን ኣዝዩ ዘሰንብድን ዘሻቅልን ምዃኑ፡ ሎሚ 02 ሕዳር ብመገዲ ማሕበራዊ መራኸቢ ኣብ ዝዘረገሖ ጽሑፍ ገሊጹ። ብሰንኪ እዚ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ግጭት ድማ፡ እቲ ዛጊድ’ውን ተሃስዩ ዘሎ ስርዓት ጥዕና እዘን ክልላት ናብ ምሉእ ምፍራስ የምርሕ ከምዘሎ […] The post ኣብ ኢትዮጵያ ዝፍጸም ዘሎ መጥቃዕቲ ድሮን…
Why has Eritrea deepened its strategic partnership with Egypt while maintaining strained relations with Ethiopia, its most consequential potential economic partner? The contradiction becomes clearer when Eritrea’s foreign policy is examined through the distinction between the interests of the…
Russia has placed itself in an uncomfortable position in the Horn of Africa. On 28 October, Ethiopian Prime Minister Abiy Ahmed announced the delivery of Russian Su-35 fighter jets and plans to acquire four S-400 air-defence batteries. Two days later, Russian President Vladimir Putin welcomed…
ETHIOPIA’S OVERTLY DECLARED WAR AGENDA AGAINST ERITREA – Eritrea Ministry Of Information Eritrea Ministry Of Information
(Verbatim Statements by Ethiopian Government Senior Officials regarding Eritrea’s Sovereignty) Abiy Ahmed Ali, Prime Minister of Ethiopia “Sovereign access to the sea by any means necessary – through negotiations if possible and by force if necessary, Ethiopia would not remain a prisoner of…
EEPA reports on Amhara IDP camp hit by drone strike IDN-InDepthNews
Ethiopia's Abiy puts ministers through military training amid internal and regional unrest - Africa - World Ahram Online
Tigray rebels claim to have killed nearly 500 Ethiopian soldiers in renewed clashes Latest news from Azerbaijan
Ethiopia – Bosco Children opens a new football pitch ANS - Agenzia iNfo Salesiana
TPLF claims 500 Ethiopian soldiers killed in renewed Tigray fighting Operativ Məlumat Mərkəzi
Tigray rebels claim 500 Ethiopian soldiers killed, 800 wounded in renewed fighting Anadolu Ajansı
TPLF loses popular support after fresh fighting in Ethiopia's Tigray Africanews
Eritrean Troops And Ethiopian Forces standardmedia.co.ke